ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ቻይና ንዝተዳለወ ስልማት ሰላም፣ “ንኽብረይ ኣይበቕዕን’ዩ” ክብል ነጺግዎ

ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ቻይና ንዝተዳለወ ስልማት ሰላም፣ “ንኽብረይ ኣይበቕዕን’ዩ” ክብል ነጺግዎ

Radio Erena: 29 October 2015

Mugabe

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ቻይና ብዝመደበሩ ትካል ንዝወሃብ ናይ ሰላም ስልማት ኮንፉሸስ ነጺግዎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ብቻይና ዝዳሎ ስልማት ሰላም ዝነጸገሉ ምኽንያት፣ “ንኽብረይ ኣይበቕዕን’ዩ” ብምባል ምዃኑ ጋዜጣታት እታ ሃገር ጠቒሰን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት’ውን ፕረዚደንት ኩባ ነበረ ፊደል ካስትሮን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ከምዝተዓወቱ እኳ እንተተሓበረ፣ ነቲ ስልማት ከምዘይተቀበልዎን ብዛዕባ’ቲ ስልማት ኣመልኪቶም ድማ ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይሃብሉን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብስም ‘ኮንፉሸስ’ ተሰምዩ፣ ኣብ 2010 ብቻይናውያን ዝፈለመ ስልማት ሰላም፣ ዛጊት ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ቻይና፣ ንስልማት ኮንፉሸስ ከተዳሉ ዝተደፋፍኣትሉ ምኽንያት፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብመንግስቲ ቻይና ብዙሕ መከራታት ዝወረዶ ስነ ጥበባዊ ሊዩ ዣቦ፣ ኣብ 2010 ስለማት ኖቤል ምዕዋቱ’ዩ።

ዕዉታት ኮንፉሸስ ናይ ሰላም ብወግዒ ዝፍለጠሉ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናይቲ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል ዝተዓወቱ ብወግዒ ዝሕበረሉ መዓልቲ’ዩ።

ናይዚ ዓመት እዚ ስለማት ሰላም ኖቤል ካብ ዝተረቁሑ፣ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ኤርትራዊ ካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ዝርከብዎ ሓያሎ ጸለወቲ ሰባት ክኮኑ እንከለዉ፣ ንዕርቂን ሰላም ቱኒዝያ እትሰርሕ ብዜጋታት እታ ሃገር ዝቖመት ማሕበር ከኣ ተዓዋቲት ኮይና።

ኣብዚ ናይ ቻይና ስልማት ኮንፉሸስ ከኣ፣ ፕረዚደንታት ካዛኪስታንን ዚምባብዌን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተረቑሖም እኳ እንተነበሩ፣ ሮበርት ሙጋበ’ዩ ተዓዊቱ።

ሮበርት ሙጋበ ዝተዓወትሉ ምኽንያት፣ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ብዘርእዮ ዘሎ ምትፍናን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ነቲ ስልማት ነጺግዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ክብረይ ዘይበቅዕ ክብል’ውን ነቒፍዎ።

ን34 ዓመታት ንዚምባብዌ ዝመርሐ ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ነታ ሓደ እዋን መሶብ ኣፍሪቃ ዝነበረት ሃገሩ፣ ናብ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኣውዱቑዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብሰንኪ ዝቕባበን ቅልውላ ቁጠባን ናይ ገዛ ራእሳ ባጤራ ዘይብላ ንኽትከውን’ውን ደሪኹ’ዩ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0