ፈረንሳ፣ ንደቂንስትዮ ዝተላኸፉ ልዕሊ 400 ሰባት ሕጋዊ መቕጻዕቲ ተበይንሎም

Radio Erena: 07 May 2019

ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ፈረንሳ፣ ንደቂንስትዮ ዝተላኸፉ ልዕሊ 447 ሰባት ሕጋዊ መቕጻዕቲ ከምዝተበየነሎም ተሓቢሩ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ብዝወዓለ ሓድሽ ሕጊ፣ ንደቂንስዮ ኣብ ጎደናታትን ህብዝዊ መጓዓዝያን ብዘይድልየተን ዝተላኸፈን ዝዘንጠለን ሰብ፣ ብገንዘብን ማእሰርትን ክቕጻዕ ይኽእል።

እታ ሃገር፣ ነዚ ንኽብሪ ደቂንስትዮ ዝከላኸል ፍሉይ ሕጊ ዘሕለፈት፣ ደቂንስትዮ ብናጽነትን ሓርነትን፣ ኣብ ዝደለየኦ ቦታን ግዜን ክንቀሳቐሳ፣ ካብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ካብ ደቂተባዕትዮ ክወርደን ንዝጸንሐ ጸቕጥታት ንምውጋድ ካብ ዝብል እምነት’ያ።

ብፍላይ ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት፣ ህዝባዊ መጓዓዝያን ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ዝውሕዶ ጎደናታትን ፣ ንደቂንስትዮ ምልኻፍ፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብዘይድሌተን ኣካላተን ምትንኻፍ እናገነነ ብምምጽኡ’ያ እታ ሃገር ነዚ ጽኑዕ ሕጊ ኣውጺኣ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ፈረንሳ፣ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ፣ ንሓንቲ ጓል ክላኸፋ እንተጀሚሩ’ሞ ደው ከብል ነጊራቶ ከብቅዕ እንተቐጺሉ፣ ብኡ ንብኡ ብፍሉይ ናብ ዝተዳለወ ቁጽሪ ቴሌፎን ብምድዋል ብፖሊስ ከምዝተሓዝ ክትገብሮ ትኽእል’ያ።

ብፍላይ ነቲ ናይ ምልኻፍ መስርሕ ብሞባይል እንተቐሪጻቶ ወይ መሰኻክር እንተኔሮም፣ ዝተላኸፈ ሰብ ካብ 90 ክሳብ 950 ኤውሮ ክቕጻዕ ይኽእል።

ካብኡ ሓሊፉ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከምዝገበረን ብዘረባ ሞራላዊ ማህሰይቲ ከምዘብጽሓላን እንተሓቢራ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ፣ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ልዕሊኡን ከእስር ይኽእል።

ፈረንሳ ሓንቲ ካብተን መሰል ደቂንስትዮ ብዝልዓለ ክብሪ ዝሕለወለን ሃገራት ዓለም እኳ እንተኾነት፣ ዘቤታዊ ጎነጽ፣ ዓመጽን ክብርታት ደቂንስትዮ ዝዝንጥሉ ጸርፍን ዘለፋን እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ’የን ተጣበቕቲ መሰል ደቂንስትዮ ዝወቕሳ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0