ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ምወላ ሽበራን መርመራ ተኻይድሉ

Radio Erena: 07 May 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፣ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ምወላ ሽበራን፣ መርመራ ተኻይድሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ናብ ቤት ምእሰርቲ ካብ ዝኣቱ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ብ5 ግንቦት መርመራ ዝተኻየደሉ፣ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን ብዘሕለፎ ትእዛዝ’ዩ።

እቲ ኣኽባር ሕጊ፣ ብዘይካ’ዚ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር’ውን መርመራ ክካየደሎም ኣብቲ ዘሕለፎ ትእዛዝ ጸዊዑ።

ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብ 11 ሚያዝያ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝተኣልየ፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ “ኮበር’ ‘ዮም ዝርከቡ።

ኣብ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ ዝተኻየደ ተፍቲሽ፣ ሚልዮናት ዶላራት ገንዘብን ኣማኢት ጠራሙዝ ዊስኪን ከምዝተረኽቦ’ዩ ተሓቢሩ።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሃገሩ ዝካየደሉ ዘሎ መርመራታት ምጥፍፋእ ገንዘብን ምወላ ሽበራን፣ ብጉዳይ ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ’ውን ተኸሲሱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0