ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝነበረ ሰራዊት ተሳሒቡ፣ ብሓደስቲ ተተኪኡ

Radio Erena: 07 May 2019

ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ተሳሒቡ ብሓደስቲ ተተኪኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ካብ ከባቢ ዓሰብ ምስ ከበድቲ ኣጽዋሩ ተሳሒቡ ዘሎ ሰራዊት ናብ ከባቢ ቃሮራ ከምዘምርሐ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ባድመ ዝነበረ ሰራዊት’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተሳሕበ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ዝስሕበሉ ዘሎ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን።

እንተኾነ፣ ኣብ እዋናት ግንቦት 24፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ንዝካየድ ግፋን ሓለዋን ይዋፈር ከምዘሎ ይንገር።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ብፍላይ ኣብቲ ግዝኣት ኤርትራ ዝኾነ ባድመ ዝርከብ ሰራዊታ ዛጊት ከምዘይሰሓበት ይፍለጥ።

እታ ሃገር ሰራዊታ ካብ ባድመ ከይትስሕብ ሕጂ’ውን ወያነ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ብወገን ካድራት ኤርትራ ዝግለጽ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Asmara 5 years ago

    Serawit erittrea n hnsa ydalo alo abzi seat edetbeb ymehar alo

  • comment-avatar
    ዮናስ ተክላ 5 years ago

    እግዝብሄር እሙን’ዮ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳዮ እዮ ፡ብዘይ ሐደ ደመም ምፊሳስ ናብ ረብሐ እቲ ዉጹዕ ህዝቢ ከቅይሮ’ዮ።ስለዚ ቡሩኻት ገጽ እግዝብሄር ንድለ፡ንሕና ገጹ ብዝደለናሉ መጠን ኩነታትና ድማ ፊትሒ ከውርደሉ’ዮ፡ ኣምላኽ ኣምላኽ ውጺዓት ሰለ ዝኾነ።
    ዳዊት 51 (Psalms)
    17፤ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ፣ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።፦♥♥፦እ/ር ይባርኽኩም፡ ሰላም ንኤርትራ ።