ፈረንሳ፣ “ምስ ኣምልኾ ሰይጣን ዝተተሓሓዘ’ዩ” ዝተባህለ፣ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ተፈጺሙ

Radio Erena: 11 September 2020

ኣብ ፈረንሳ፣ ኣብ ልዕሊ 150 ዝኾኑ ኣፍርሳ ወሪዱ ብዝተባህለ ግፍዕታት ዛጊት ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፣ ካልኦት ጥርጡራት ይህደኑ ምህላዎም ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ጭብጢታት፣ ሞይቶም ኣብ ዝጸንሑ ክልተ ኣፍራስ ኣእዛኖም ተቖሪጹ፣ ኣዒንቶም ነጢቑ፣ ብልዕታቶም ድማ ተሰሊቡ’ዮም ተረኺቡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ዝበሎ ገበን፣ ምጽራይ ክግበረሉ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ሓያሎ ሓረስቶትን ወነንቲ ኣፍራስን፣ ኣፍራሶም ብኻራ ተጨንዲሖም ከምዝረኸብዎም ናብ ፖሊስ ጥርዓን የቕርቡ ኣለዉ።

“እዚ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስ ዝተፈጸመ ግፍዕታት፣ ዘይቅቡልን ኣረሜናውን’ዩ” ክብል ሚኒስተር ሕርሻ ፈረንሳ ዡልያን ደኖርማንዲ ገሊጹ።

ዛጊት ኣስታት 150 ዝኾኑ ኣፍራስ፣ ተመሳሳሊ ገበን ከምዝተፈጸሞም ዘረጋገጸ ፖሊስ ድማ፣ ምስ እምነትን ኣምልኾን ሰይጣን ዝተተሓዘ ተግባር ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

እንተኾነ፣ ብኢንተርነት ዝተጀመረ ናይ ‘ቻለንጅ’ ጸወታ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ይግምቱ።

ኣብ ፈረንሳ፣ እንሳታት ዘቤት ምስቓይ ክሳብ 6 ኣዋርሕ ከእስር ዝኽእል ገበን’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0