ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ታይዋን ኤምባሲ ምኽፋታ፣ ንመንግስታት ቻይናን ሶማልን ኣቖጢዑ

Radio Erena: 11 September 2020

ኣብ 1991 ካብ ሶማል ድሕሪ ምፍላያ፣ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ እትርከብ ሶማሊላንድ፣ ኣብታ ቻይና ዘይትንጸል ኣካላ ምዃና እትገልጻ ታይዋን ኤምባሲ ከፊታ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ትኹን ታይዋን፣ ከም ሉኣላውያን ሃገራት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይረኸባ ክነሰን፣ ሓድሕደን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምግባር፣ ኤምባሲ ክሳብ ምኽፋት ምብጽሐን፣ ንመንግስታት ሶማልን ቻይናን ኣቖጢዑ ኣሎ።

ወኪል ሶማሊላንድ ኣብ ታይዋን ኮይኑ ዝተመዘዘ ሓጂ ማሕሙድ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ሁ ብምዃን’ዮም ነቲ ኣብ ከተማ ታይፐይ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሶማሊላንድ ብ8 መስከረም ብወግዒ ከፊቶም።

ብሪፖብሊክ ቻይና እትፍለጥ ታይዋን፣ ካብ 1949 ኣትሒዛ ካብታ ብህዝባዊት ሪፖብሊክ ቻይና እትፍለጥ ሃገር ተፈልያ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር መንግስቲ እኳ እንተለዋ፣ ቻይና ግና ከም ዘይትንጸልን ሉኣላዊትን ኣካላን’ያ ትገልጻ።

ይኹን’ምበር ደሴት ታይዋን፣ ንቻይና ብምጥቃስ፣ ምስ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ቁጠባ፣ ወትሃደራዊን ዲፕሎማሲን ዘተኮረ ስምምዓት ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0