ኤርትራ፣ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ዕዉት ንጥፈታት ካብ ዘካየዳ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 10 September 2020

ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ዕዉት ንጥፈታት ካብ ዘካየዳ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ያ ክብሉ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዘተኮሩ መጽናዕታት ገሊጾም።

ብምኽንያት’ቲ 8 መስከረም ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ዝቐረበ ጸብጻባት ከምዝገልጾ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መሃይምነት ዘየጥፍአ ህዝቢ ኤርትራ ኣስታት 20% ጥራይ’ዩ።

እዚ ማለት ድማ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ መሃይምነት ዘጥፍአን መሰረታዊ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእልን’ዩ።

እዚ ጸብጻብ’ዚ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዝቐረበ እኳ እንተኾነ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽትን’ውን ደገፈን ሂበናሉ’የን።

ንዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን ብምውካስ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፣ ካብ 15 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዎውም እቶም 69 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ፣ 80 ሚእታዊት ድማ ደቂንስትዮ ኤርትራ መሃይምነት ዘጥፍኡ’ዮም።

በዚ መምዘኒ’ዚ ኤርትራ ንጎረባብታ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጅቡትን በሊጻ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምጥፋእ መሃይምነት’ያ ትርከብ።

ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ካብ ዝተዓወተትሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማእቶታውን ወትሃደራዊ ንጥፈታት ዝወፍር ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ንትምህርቲ ዝተኻየደሉ ጎስጓስ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ብዝሒ መሃይምነት ዘየጥፍአ ህዝቢ ኤርትራ ናብ 10% ንምጉዳል ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝእንፍት።

እንተኾነ፣ ኤርትራ መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ዕውት ንጥፈታት ካብ ዘካየዳ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድኣ ትኹን እምበር ብኣንጻሩ ኣብ ደረጃን ብቕዓትን ማእከላይ፣ ካልኣይን ላዕለዋይን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ይመጽእ ከምዘሎ ይጥቐስ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0