ፈረንሳዊ ኣባል ስለያ ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ፈሺሉ

ኣብ ሶማል ንሰለስተ ዓመታት ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝጸንሐን ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ንምፍትሑ ጻዕርታት ይካየደሉ ዝነበረን ፈረንሳዊ ኣባል ስለያ ሓራ ንምውጻእ ብኮማንዶ ፈረንሳ ዝተኻየደ ስርሒት ፈሺሉ።

    እቲ ደኒስ ኣሌክስ ዝተባህለ ኣባል ስለያ ፈረንሳ፣ ኣብ ሓምለ 2009 ብኣልሸባብ ድሕሪ ምትሓዙ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ብመንጎኝነት እቲ ምስ ኣልሸባብ ዝሓሸ ዝምድና ኣለዎ ዝብሎ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፈረንሳዊ ናጻ ንምልቓቑ ብዙሕ ጻዕርታት ከምዘካየደ ማዕከና ዜና ፈረንሳ ምቕልሐን ኣይርሳዕን።

    ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ፣ ክልተ ኣባላት ስለያ ፈረንሳ ናብ ኣስመራ ብምዃድ ምስ ክልተ ኣባላት ስለያ ኤርትራ ብሓባራ ምስ ወከልቲ ኣልሸባብ ንምዝርራብ ናብ ሶማል ተበጊሶም ከምዝነበሩን እንተኾነ ኣልሸባብ ካብ ሰለስተ ወገን ብዝተፈነወሉ መጥቓዕቲ ክበታተን ስለዝጀመረ እቲ መደብ ክዕወት ከምዘይክኣለን ሬድዮ ኤረና ኣብቲ እዋን እቲ ምሕባራ ኣይርሳዕን።

    ኣልሸባብ ሞቛድሾን ኪስማዮን ካብ ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታትን ካብ ደጀናቱን ተበታቲኑ ፋሕ ድሕሪ ምባሉ’ውን፣ መንግስቲ ፈረንሳ ነቲ ብመንጎኝነት ኤርትራ ጀሚርዎ ዝነበረ ዜጋኡ ናጻ ናይ ምልቓቕ መስርሕ ይቕጽል ከምዝነበረ ዝጠቕሱ ምንጭታት ድማ ጎኒ ጎኑ፣ ፈረንሳ ዜጋኣ ተሓይርሉ ዝነበረ ቦታ ብምጽናዕ ብወትሃደራዊ ስርሒት ናጻ ንምልቓቑ ክትህንድስ ምጽንሓ ይንገር።

    እንተኾነ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብፍሉያት ኮማንዶ ፈረንሳ ዝተኻየደ ስርሒት፣ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ብኣልሸባብ ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ደኒስ ኣሌክስ  ከምእተቐትለ ይግለጽ ኣሎ።

    እንተኾነ ኣልሸባብ፣ እቲ ፈረንሳዊ ኣብቲ ስርሒት ከምዘይተቐትለን ገና ብህይወቱ ተታሒዙ ከምዘሎን ብምጥቃስ፣ በንጻሩ ሓደ ተወሳኺ ኣብቲ ስርሒት ዝተወግአ ፈረንሳዊ ኮሞናዶ ከምዝማረኸን ኣፍሊጡ።

    ኣብቲ ስርሒት 11 ዕጡቓት ኣልሸባብን ክልተ ፈረንሳውያን ኮሞንዶን ከምእተቐትሉ’ውን ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

    ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ እቲ ኣብ ሶማል ዝተኻየደ ስርሒት ከምዝፈሸለ ብማዕከናት ዜና ንህዝቢ ብምሕባር፣ ናይቲ ባዕሉ ብቀጥታ ዝኣዘዞ ዘይተዓወተ ስርሒት ሓላፍነት ከምዝወስድ’ውን ኣረጋጊጹ።

    ፈረንሳ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ማሊ ኣንጻር ጥሩፋት ዕጡቓት ኣክሚ ጀሚራቶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት፣ ኣብ ሶማል’ውን ኣንጻር ኣልሸባብ ኣተኩርኣ ከተዕቢ ዝቐሰበ እዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ዘይተዓወተ ስርሒት፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣርእስታት ዜና እታ ሃገር ኮይኑ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0