ሚ.ብርሃነ ኣብርሀ፣ ናይ ሕክምና ጠለቡ ተነጺጉ

ሚ.ብርሃነ ኣብርሀ፣ ናይ ሕክምና ጠለቡ ተነጺጉ

ካብ መዝነቱ ካብ ዝእለ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ናብ ወጻኢ ከይዱ ንኽሕከንም ዘቕረቦ ጠለብ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምእተነጽገ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

M_berhane

    ንነዊሕ ዓመታት ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ብዘይ ኣፍልጦ ካቢነ ሚኒስተራትን ብዘይወግዓዊ መንገድን ካብ ስልጣኑ ከምዝትኣየ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ንሕክምና ናብ ወጽኢ ሃገር ክኸይድ ንዘቕረቦ ጠለብ ድማ፣ ናይ ቪዛ ሕቶኻ ናብ ኢምግሬሽን ኣቕርብ ዝብል ኣቖናጻቢ  ምላሽ ከምእተዋህቦ ገሊጾም።

    ብዛዕባ ጉዳይ መውጺኢ ቪዛ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ ድማ፣ ጉዳዩ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እምበር ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጽኢ ዝርአ ከምዘይኮነ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ከምዝሓበሮ እቶም ምንጭታት ኣቃሊሖም።

    ኩሎም’ቶም ናይ ወጻኢ ሕክምና ኣብ ምጽባይ ተራ ሒዞም ዝጸንሑ ሰበ ስልጣናትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ኣብ ኢናይል ኣብ ዘሎ ናይ ሓይሊ ኣየር ሕክምና ምክትታል ክግበረሎም፣ እቶም ግድን ናይ ወጻኢ ሕክምና ዘድልዮም ድማ ኣብ ሱዳን -ካርቱም ኣብ ዘሎ ሆስፒታል ጥራይ ክሕከሙን’ዩ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈቒዱ ዘሎ።

    ኣቐዲሙ፣ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎምን እኹል ገንዘብ ክኸፍሉ ዓቕሚ ዝወነኑን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይ ደገ ሕክምና ኣብ ዝሓትሉ፣ ብፍቓድ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ኢጣልያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ቤልጁምን ኣመሪካን ክሕከሙ እንከለዉ፣ እቶም ካልኦት ግና ሕክምንኦም ኣብ  ቀጽሪ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝነበረ ወትሃደራዊ ሕክምና’ዩ ዝሕጸር ኔሩ።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውሳኔ ግና ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምስምማዕ፣ ብዘይካ ሒደት ሰበ ስልጣን ህግደፍ እቶም ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጥራይ ክሕከሙ’ዩ ዝፍቀዶም።

    ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝርከብ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ግና ነቲ ብውልቁ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ክሕከም ዘቕረቦ ሕቶ ብሓፈሽኡ ከምእተነጽገ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።

    ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም፣ ንቦታ እቲ ደስኪሉ ዘሎ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብምትካእ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

    ሓድሽ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም፣ ተሓታትነት ዘለዎ ኣተሓሕዛን ምቁጽጻርን ገንዘብ መንግስቲ ንምድንፋዕ፣ ሞያዊ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ኦዲተራት ተባሂሉ ኣብ ጥሪ 2007 ኣህጉራዊ ሽልማት ዝወሰደ እንኮ ኣፍሪቃዊ ጠቕላሊ ኦዲተር ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0