ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ ቁጠባዊ ሓርነት ዘለወን ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ

ኣብ ወፍሪ ሓድሽ ተበግሶ ትወስድ ከምዘላ እትገልጽ ዘላ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ ቁጠባዊ ሓርነት ዘለወን 10 ሃገራት ዓለም ምዃና ንጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ሄሪቴጅ ብምጥቃስ ሲኤንኤን ሓቢሩ።

    እቲ ዓመታዊ ንቁጠባዊ ኩነታት ሃገራት እናገምገመ ጸብጻቡ ዘቕርብ ኣህጉራዊ ትካል ኣቀሚጥዎ ብዘሎ መምዘኒታት፣ እተን ዝተሓተ ቁጠባዊ ሓርነት ዘለወን ሃገራት ብቅደም ተኸተል ኢራን፣ ቱርኪመኒስታን፣ እኳተርያል ጊኒ፣ ኮንጎ፣ በርማ፣ ኤርትራ፣ ቬኔዙዌላ፣ ዚምባብዌ፣ ኩባ ሰሜን ኮርያን’የን።

    ኣብ ወፍሪ ልዑል ቆላሕታ ብምግባር ብዙሕ ለውጢታት የተኣታቱን ኣውፈርቲ ይዕድም ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ባዕሉ ዝዕብልሎ፣ ዝቆጻጸሮን ዝእዝዞን ቁጠባዊ ኣካይዳ ክኽተል ዝጸንሐ ብምዃኑ፣ ንብሕታውያን ትካላት ይኹን ንኣውፈርቲ ዝኾነ ናይ ቁጠባን ንግድን ሓርነት  ከልኪሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

    ብመሰረት ናይዚ ገምጋም ቁጠባ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ ቁተባዊ ሃርነት ዘለወን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንወፍርን ንግድን ዘይምችእቲ ሃገር ኮይና’ያ ጸኒሓ።

    እዚ ሕጂ መንግስቲ ኣጣጢሕዎ ከምዘሎ ዝግልጽ ናይ ወፍሪ ባይታ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ ዝምእዘዝ ቅዋማዊ መንግስቲ ከምኡ ድማ፣ ተሓታትነት ዘለዎ ብንጹር ዘስርሕ ናይ ቁጠባ፣ ወፍርን ንግድን ፖሊስን ሕጋጋትን ክሳብ ዘይሃለወ፣ ኣወፈርቲ ኣሚኖም ገዚፍ ካፒታል ከፍሱስ ዘይሕሰብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን ይጥቐስ።

    ኣህጉራዊ ትካል ሄሪቴጅ ኣብዚ ናይ 2013 ሓድሽ ጸብጻቡ፣  ኤርትራ ንእትርከበን 10 ሃገራት ናይ ቁጠባ ሓርነት ዘይብለን ኢሉ ክሰምየን እንከሎ፣ ብቁጠባዊ ሓርነት ኣብ ቅድሚት ሰሪዑወን ዘሎ 10 ሃገራት ድማ ብቅደም ተኸተል፣- ህንኮንግ፣ ሲንጋፖር፣ ኣውስትራልያ፣ ኒዊዝላንድ፣ ስዊዘርላንድ፣ ካናዳ፣ ቺለ፣ ሞሪሸስ ደንማርክን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን’የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0