ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ብዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ስምምዕ ከቲመን

ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ብዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena : 21 August 2015

Calais

ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ንክልቲኤን ብዘዳውብ ከባቢ ካሌ ንዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ሓድሽ ስምምዕ ከቲመን።

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ክልቲኤን ሃገራት ትማሊ ሓሙስ 20 ነሓሰ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ተረኺቦም ብዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ከባቢ ዶብ ንዝርከብ ገለርያታት ባቡር ተወሳኺ ሓጺር ክሃንጻሉን ኣብ ሓለዋ ዝዋፈር ሓይሊ ፖሊስ ብዝሑ ክብ ከብላን’የን።

ነቲ ሓጹር ዝተራቐቓ ካሜራትን ብጨረረ ምንቕስቓስ ሰብ ዘለሊ መሳርሒታትን ክግጠሞ’ዩ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ብመንገዲ ካሌ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘለዉ ደላሎን ኣሰጋገርትን ንምህዳን’ውን ፍሉይ ኣሃዱ ከቑማ ኣብቲ ናይ ትማሊ ስምምዕ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ፣ ኣብ ካሌ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓጹር እናሰገሩብገለርያታት ናብ ብሪጣንያ ንምእታዉ ኣስታት 2000 ፈተነታት ከምዘካየዱ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።

ሓጹራት እናነጠሩ ብገለርያ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓደገኛ ምስግጋር፣ ኣብ ሓያሎ ስደተኛታት ጉድኣት ከምዘለረደ’ውን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓካይም ብዘይ ዶብ የረድኡ።

ብመንገዲ’ዚ ሓደገኛ ገለርያታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ካብ ዝፈተኑ ኣስሓት ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻብ እቲ ትካል የመልክት።

ናብ ብሪጣንያን ንምስጋር ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ወደባዊት ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ኣብ ጫካታት ይነብሩ ምህላዎም ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ ይጠቕስ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0