ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን፣ ኣስታት 3 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ወጺኦም

ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን፣ ኣስታት 3 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ወጺኦም

Radio Erena : 21 August 2015

Israele

ካብ ጥሪ 2013 ክሳብ’ዚ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ 1059 ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብዚ ዝተተጠቕሱ ናይ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ግዜ፣ 1980 ኤርትራውያን ናብ ካልእ ሃገራት ከምዝተሰጋገሩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ ኣሎ።

መብዛሕቶም’ቶም ካብ እስራኤል ዝወጹ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ናብ ዝርከብአን ሃገራት ከምዝተሰጋገሩ ይፍለጥ። 

 

ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሃረጽ ብተወሳኺ 4608 ሱዳናውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ 708 ጥራይ’ዮም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰጋገሩ ምሕታቶም ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ሱዳናውያን ተመልስቲ ናብ ሃገሮም ምስ ናይ ኤርትራውያን ክነጻጸር እንከሎ፣ ክልተ ዕጽፊ ካብቶም ካብ እስራኤል ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ክሰጋገሩ ምሕታቶም፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ’ውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 38 ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ፣ እቶም ኣስታት 8 ሽሕ ካብ እስራኤል ብምውጽኦም፣ ኣብታ ሃገር ተሪፎም ናይ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ብዝሒ ናብ ኣስታት 30 ሽሕ ወሪዱ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብእትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ፣ ስደተኛታት ክወጹ ብምግዳዳን ናብታ ሃገር ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ዜሮ ምውራዱን፣ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከተውርዶ ከምእትኽል’ዩ ዝግለጽ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0