“ጾታዊ ዓመጽ የብቅዕ! ሓቀኛ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣይሃርምን!” ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል

“ጾታዊ ዓመጽ የብቅዕ! ሓቀኛ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣይሃርምን!” ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል

Radio Erena: 14 March 2016

Isra wom Er

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እስራኤል፡ ንሸሞንተ መጋቢት ብክብ ዝበለ ድምቀት ከምዝጸንበልኦ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገርሓቢሩ።

እተን ብማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተል ኣቪቭ ዝፍለጣ ኤርትራውያን፣ ንሸሞንተ መጋቢት ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ መልክዑ ክጽንብልኦ ምኽኣለን፡ ንዘለወን ስጡምን ሓያልን ውዳበ ዘጉልሕ ምዃኑ ንተዓዘብቲ ብምውካስ እቲ ወኪል ገሊጹ።

እተን ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ሕሰም ሃዲመን፣ ኣብ እስራኤል ካልእ ዝኸበደ ብድሆ ገጢሙወን ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንጻር እዚ ድርብ ወጽዓታት ክቃለሳ ምዃነን ብኣጋጣሚ እታ ዕለት ደጊመን ኣረጋጊጸን።

 

ኣብ’ቲ ብሃርጽዮን 50 ዝፍለጥ፡ ኣብ ተል ኣቪቭ፣ ጎደና ሃርጽዮን ዝርከብ ኣደራሽ ዝተኻየደ ጽምበል ሸሞንተ መጋቢት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ ወጻእተኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተረኾቦም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ተኻይዱ ዘይፈልጥ ከም ምርኢት ኣልባሳት ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ- ፋሽን ሾው ከምኡ ድማ ድራማን ልዝብ መንእሰያትን ቀሪቡ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፣ “ጾታዊ ዓመጽ የብቅዕ! ሓቀኛ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣይሃርምን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ’ዩ ተኻይዱ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ፣ ንሸሞንተ መጋቢት፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ብምዝካር ከምዝጸንበልኦ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0