ነርወይ፣ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ትዘራረብ

ነርወይ፣ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ትዘራረብ

Radio Erena: 14 March 2016

Nor sud

ከም መቐጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘካይድኦ ዘለዋ ርክባት፣ ወኪል መንግስቲ ነርወይ’ውን ብ8 መጋቢት ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ብሓላፊት ክልትኣዊ ዝምድናታት ነርወይ፣ ኣምባሳደር ኣቲና ስሚዝ ዝተመርሐ ወኪል ነርወይ፣ ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢእን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳንን ከምዝተዘራረበ መግለጺ እቲ ሚኒስተሪ የመልክት።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብመንገዲ ምብራቕ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግትኡ፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብሓባር ክሰርሓን ነቲ መንግስቲ 10ታት ሚልዮናት ኤወሮ ክልግሳን ይርኣያ።

 

ዕላማ ዑደት ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ሱዳን፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውቦ ከባቢታት ጽኑዕ ምቁጽጻር ክገብረሉ፣ ካብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርአ ዋሕዚ ዜጋታት ሱዳን ናብ ኤወሮጳ ንምግትኡ ድማ፣ ኣብቲ ዞባ ሰፋሕቲ ልምዓታዊ መደባት ክተኣታቶን ዝብል መርገጺ ዝሓዘ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

ኣቐዲሞም ወከልቲ መንግስታት ኢጣልያን ጀርመንን ተመሳሳሊ ዑደት ከምዘካየዱ ይዝከር።

‘ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሱዳን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይዋስኡ ኣለዉ፣’ ዝብል ተደጋጋሚ ክስታት ከምዝቐርብ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0