ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ርእሰ-ማል ይውንኑ

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ርእሰ-ማል ይውንኑ

Radio Erena: 14 March 2016

Inve Uganda

ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ምህላዉ በዓል መዚ ወፍሪ ኡጋንዳ ኣፍሊጡ።

ኡጋንዳ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዘተባብዕ ባይታ ስለዘለዋ፣ ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ተጸንቢሮም ከምዘለዉ እቲ በዓል መዚ ከረጋግጽ እኳ እንተኸኣለ፣ ብዝሒ ናይቲ ብኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝንቀሳቐስ ርእሰ ማል ግና ብዝርዝር ኣየቐመጠን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ዘንቀሳቕስዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ፣ ንምንጭታት መንግስቲ ኡጋንዳ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ይጠቕስ።

 

ብዝሒ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ቀዳሞት 10 ከምዝስራዕ’ውን ጸብጻባት ንግድን ወፍርን እታ ሃገር ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዕጽዉ ናይ ወፍሪ ዕድላት፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ይኹኑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበሩ ኣውፈርቲ፣ ወፍርታቶም ናብተን ዝያዳ ወፍሪ ዘተባብዓ ከም ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላን ሩዋንዳን ዝኣመሰላት ሃገራት ከምዘግዓዙ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚውን ኣብ ኤርትራ ውልቃዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሓሊኹ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብዚ 10 ዓመታት ናብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ተሰዲዶም ካብ ተራ ስደተኛታት ናብ ዓበይቲ ነጋዶን ኣውፈርትን ዝተሰጋገሩ ኤርትራውያን ብዙሕ’ዮም።

እዘን ሃገራት ዘለወን ናይ ወፍሪ ዕድላት ሰፊሕ እኳ እንተኾነ፣ ክፍጠር ዝኽእል ጸጥታዊ ሃጓፍ ግና ንኤርትራውያን ካልኦት ኣውፈርትን ካብ ዘሻቕል ጉዳይ’ዩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ግንቦት 2015 ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዝኽተሎ ናይ ወፍሪ ፖሊስ ዕጹው ብምዃኑ፣ ኣውፈርቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ኤርትራ ክውሕዙስ ይትረፍ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኣውፈርቲ’ውን ወፍርታቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዘሰጋገሩ’ዩ ዘመልክት።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0