ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራ መሊሱ እናበኣሰ ይመጽእ ኣሎ

ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራ ኣብ ጥርዙ በጺሑ። ህዝቢ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ሓደ ፊስቶ ማይ ኣብ ሰሙን ብኩፖን ይዕደሎ ኣሎ።

 

እዚ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመቱ ቐጺሉ ዘሎ ዝበኣሰ ጸገም ዝስተ ማይ መንግስቲ መንገሲ ነባሪ ፍታሕ ከናድየሉ ብዘይምኽኣሉ ህዝቢ የማርር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ማይ ጭሆት፣ ኣኽርያ፣ መደሽቶ፣ ገዛ ከኒሻ፣ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ማይ ኣባሻውልን ገዛ ብርሃኑን እቲ ብስእነት ዝስተ ማይ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ዘሎ ከባቢታት ኮይኑ፣ ነበርቲ እዚ ዝተጠቐሰ ከባቢታት ፊስቶታት ሒዞም ክከላበቶ’ዮም ዝርኣዩ።

መንግስቲ ከም ፍታሕ ኢሉ ዘቕረቦ፣ ንስድራቤታት ብሰሙናዊ ብኩፖን ዝዕደለን ሓደ ፊስቶ ማይ ኣብ ሰሙን ብቦጣት ይቕርብ እኳ እንተሎ፣ ወነንቲ ስብ ቦጥ ድማ ምስ ዘለዎም ጸገም ነዳዲ ከምቲ ዝድለ ማይ ከመላልሱ ከምዘይክእሉ’ዮም ዝሕብሩ።

ኣብዚ ዘመን እዚ ብኩፖን ዝናበራ ሃገራት ዓለም፣ ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያን ኩባን ዝርከብአን ካብ ሓሙሽተ ዘይሓልፋ ኮይነን፣ ብኩፖን ማይ እትዕድል ሃገር ግና ኤርትራ ጥራይ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን።

መንግስቲ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ኤሌክትሪሲቲ ኣብ ጉዳይ ጸገም ዝስተ ማይ’ውን ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

እኹል ክራማት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን ንህዝቢ ብሻምብቖታት፣ ማይ ክዕድለሉ ዘይክኣለ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን።

ሸቶታት ሚለንዮም ካብ ዘመዝግባ ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ኢና እነበለ ዝጉስስጉስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጸዓትን ማይን ግና ክኸውሎ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ በጺሑ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0