ጸሓፊት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ተካይድ

ጸሓፊት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ተካይድ

Radio Erena: 16 November 2015

uS air

ብጸሓፊት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፣ ደቦራህ ሊ ጄይምስ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ።

ጸሓፊት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዑደታ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጅቡቲ ምስ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ርክብ ኣካይዳ።

ዝርዝር ናይቲ ምስ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ዘካየደቶ ርክብ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ብፍላይ ከኣ መዋፈሪ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ- ድሮን ንምስፋሕ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

 

ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ወትሃደራዊ መዓስከራ ኣብ ጅቡቲ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ደቦራ ሊ ጄይስም ኣብ ናይ ጅቡቲ ዑደታ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ለሞንየ ዝርከብ ወትሃደራዊ ነቑጣ ኣመሪካ ድሕሪ ምብጻሕ ኣብቲ መዓስከር ተዋፊሮም ምስ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ተዘራሪባ።

ዑደት ጸሓፊ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ናብ ጅቡቲ፣ ድሕሪ’ቲ ብሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቻይና ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዑደት ምክያዱ ዝዛመድ ከምዝኾነ’ውን ሓያሎ ወትሃደራውያን ተንትንቲ ይጠቕሱ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

ጅቡቲ፣ እታ ዝበዝሑ ናይ ወጻኢ ሃገር ወትሃደራውያን መዓስከራት ዘለዋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝንኣሸት ሃገር’ያ።

ኣብዛ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣- ፈረንሳን ኣመሪካን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከራት ክህልወን እንከሎ፣ ዓመታዊ ከኣ ንልምምድን ካልእ ዕላማን ዝመጻ 10ታት መራኽብ ኵናት ዝተፈላለያ ሃገራት ተአንግድ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0