ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዙር ርዋንዳ ይደምቁ

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዙር ርዋንዳ ይደምቁ

 Radio Erena: 16 November 2015

Tour ofRwa

ካብ ሰንበት 15 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 7ይ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ፣ ብዓወት ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ።

ንፈላሚ መድረኽ፣ ዙር ርዋንዳ፣ ኣባል ጀርመናዊት ክለብ “ባይክ ኤይድ” ኤርትራዊ ተቀዳዳም መኽሰብ ደበሳይ ቀዳማይ ብምዃን ብዓወት ክኸፍቶ እንከሎ፣ ኣብላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሜሮን ተሾመን ኣሮን ደብረጽዮንን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ስዒቦሞ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝኾነ ኣማኑኤል ገብረግዝኣብሔር ከኣ፣ ፈላሚ ተዓዋቲ ዓቐብ ዙር ርዋንዳ 2015 ክኸውን በቒዑ።

 

ኣብዚ ካብ 15 ክሳብ 22 ሕዳር ዝካየድ ዘሎ መበል 7 ዙር ርዋንዳ 2015፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ጋቦንን ርዋንዳን ዘጠቓለላ 11 ሃገራውያን ጋንታታት ክወዳደራ እንከለዋ፣ ካብ ኣውስትራልያን ኣመሪካን ሓሓንቲ ካብ ኤውሮጳ ድማ ኣርባዕተ ናይ ብሕቲ ክለባት ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ቅድድማት ምኩራት ተወዳደርቲ ዘለዋ ኣልጀርያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ኣይትሳተፍን’ያ ዘላ።

ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ሓሙሽተ ተጻወቲ ከተሳትፍ እንከላ፣ ንኤርትራ ዝወከሉ ተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመ፣ ኣሮን ደብረጽዮን፣ መትከል ኢዮብ፣ ተስፎም ዑቕባማርያምን ኣማኑኤል ገብረግዝኣብሔርን’ዮም

ምስ ጀረመናዊት ክለብ ተጸንብሪኦም ኣብ ዙር ርዋንዳ 2015 ዝቐዳደሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ መኽሰብ ደበሳይን ሜሮን ኣማኑኤል’ዮም።

እዚ ሸውዓተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 69 ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ፣ ሸውዓተ መድረኻት ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብዚ ቅድድም’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ መድረኽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብሃገር ደረጃ’ውን ጸብለል ክብሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተዛዘመ መበል 28 ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ቡርኪና ፋሶ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ መድረኽ ዓወታት የመዝግቡ እኳ እንተነበሩ፣ ኣብ ውህሉል ነጥቢ ግና ብሞሮኮን ኣአንጋዲት ሃገር- ቡርኪና ፋሶን ተመሪሖም ሳልሳይ ደረጃ ምሓዞም ኣይርሳዕን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0