ማላዊ 20 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዳ

ማላዊ 20 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 16 November 2015

Mala eth

መንግስቲ ማላዊ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ የምርሑ ኔሮም ዝበሎም 20 ኢትዮጵያውያን ቀዩ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ እቶም 20 ኢትዮጵያውያን፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተመሪሖም ዶብ ሞዛምቢክ ንምቑራጽ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ዴድዛ ናይ ማላዊ ተታሒዞም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሑ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዶባት ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክን ካልኦት ሃገራትን እናቆራረጹ፣ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

 

መብዛሕቶም እዞም ኢትዮጵያን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዕድል ንምርካብ ዝስደዱ ኮይኖም፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣውራ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ጸብጻባት ዜና የረድኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ከምዝቐተሉ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ኣመልኪተን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0