ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቻይና ናብ ጂቡቲ በጺሐን

Radio Erena: 08 December 2022

ጭፍራ መራኽብ ኵናት ቻይና ናብ ጂቡቲ ከምዝበጽሓ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እተን ብሰለስተ ዓበይቲ መራኽብ ኵናት ዝተመርሓ ጭፍራ፣ ካብ 05 ታሕሳስ ኣትሒዘን መልህቀን ኣብ ጂቡቲ ኣውሪደን ከምዘለዋ ዝሓበረ መርበብ ዜና ኔቪ ሪኮግኒሽን፣ እተን ክልተ ሄሊኮፕተራት ክሰከማ ዝኽእላን ሚሳይላት ዝዓጠቓን ደስትሮየር ዝዓየነት ክኾና እንከላዋ፣ እታ ሓንቲ ድማ ኣብ ቀረብ ሎጂስቲክ እትነጥፍ ምዃና ኣነጺሩ።

መንግስቲ ቻይና ብወገኑ፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ወፍሪ ዝቐነያ መራኽብ ኵናት፣ ስንቅን ካልእ ሎጂስቲክን ንምጽዓን ናብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝተጸገዓ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ብዝሐንን ዓይነተንን ኣየነጸረን።

ቻይና፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ልዕሊ 500 ወትሃደራት ከተዋፍር እንከላ፣ በብእዋኑ ድማ ንልምምድን ፍሉይ ተልእኾን መራኽብ ኵናትን ተወሰኽቲ ኣባላት ሰራዊትን ከምእተጸግዕ ይፍለጥ።

እዛ ሃገር ኣብ ጂቡቲ ትግበሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ፣ ኣመሪካን ፈረንሳን ብስግኣት ‘የን ዝጥምትኦ።

ካብዚ ስግኣት’ዚ ዝነቐለ፣ እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ጂቡቲ ዝጸንሐን ወትሃደራዊ መዓስከራት ንምስፍሑ ይሰርሓ ኣለዋ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0