መደባት ቆልዑ ኣብ ዩቱብ እተዳሉ ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ብቢቢሲ ኣብ ዝዝርጋሕ 100 ጸለውቲ ሰባት ተረቝሓ

Radio Erena: 07 December 2022

መደባት ቆልዑ ኣብ ዩቱብ እተዳሉ፣ ቅሳነት ቴድሮስ ዝተባህለት ኤርትራዊት ነባሪት ኡጋንዳ፣ ብቢቢሲ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርጋሕ 100 ጸለውቲ ሰባት ተረቝሓ።

ቅሳነት፣ ‘በለ ቡቡ’ ብዘርእሳታ ናይ ዩቱብ ፈነወ ዝዝርጋሕ መደባት ቆልዑ፣ ብትግርኛ እተዳሉ ኮይና፣ ኣብ ስደት ንዝውለዱ ምስ መበቆል ቋንቋኦምን ባህሎምን ንኽተኣሳሰሩ እትጽዕት ኤርትራዊት መንእሰይ’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ከተማ ዩጋንዳ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ቆልዑ ዘተኮረ ንፈለማ እዋን ፌስቲቫል ምውዳባ’ውን ይፍለጥ።

ንሳ፣ ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ “ቢቢሲ ኣብ ዝዘርግሖ ምስ 100 ጸለውቲ ሰባት ምርቖሓይ ዝተሰምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን “ድሕሪ ምባል፣ ዝያዳ ንኽትሰርሕ ሓላፍነት ከምዘሰክማ ገሊጻ።

ብቢቢሲ ዓመታዊ ዝዝርጋሕ 100 ጸለውቲ ሰባት፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ቴክኖሎጂ፣ ማሕበራዊ ንጥፈታት፣ ቁጠባን ካልእ ዓውድታትን፣ ንማሕበረኮሞ ብዝገብርዎ ኣብርክቶ’ዮም ዝርቁሑ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0