“ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣመሪካ’ያ” ብ.ጀነራል ኣብርሃ ካሳ

“ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣመሪካ’ያ” ብ.ጀነራል ኣብርሃ ካሳ

Radio Erena: June 03, 2014

Abraha

ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ዘተኮረ ካብ 21 ክሳብ 22 ግንቦት ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ዝተሳተፈ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስደት ኤርትራውያንን ሳዕቤናቱን ተሓታቲ መንግስቲ ኣመሪካ’ዩ ምባሉ ብትሪ ተነቒፉ።

ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ሓልፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፣ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ መደረ፣ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ቁጠባ ዘይኮነ ብቀንዱ፣ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ንምድኻም ኣመሪካ ዝሃንደሰቶ ውዲት’ዩ ክብል ነቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐጻሊ ዝተዘርበሉ ኣርእስቲ’ዩ ደጊምዎ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ክሳተፋ እንከለዋ፣ ወከልቲ እዘን ሃገራት እዚ ብቀጥታ ጸልዩወን ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ዝግትኣሉ ኣገባብ ንምንዳይ ብሓባር ንንኽሰርሓ ዝዓለመ’ዩ።

 

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ድማ፣ ጠንቒ እዚ ኹሉ ሳዕቤናት ኣመሪካ ተለኣኣኽታን’የን ምባሉ፣ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብፍላይ ድማ ካብ ወኪል ኢትዮጵያ ተቓውሞ ገጢምዎ።

ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኣብቲ ዘቕረቦ መደረ ብተወሳኺ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንዝተዋስኡ ኣብ ምልላይን ስጉምቲ ንምውሳድን ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ኣምልኪቱ።

ጠንቒ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን፣ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ መላእ ዓለም ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ፣ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኣመሪካን ተሓባበርታን’የን ክብል ዝመደረ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0