ግደ ሱዳናዊያን ደቀንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ኣብያ ንምቑጻይ፣ ዓመጽ ይፍጸመን ኣሎ

Radio Erena: 28 December 2021

ኣብ ሱዳን ኣንጻር ብጀነራላት ዝዕብለል ልፍንታዊ መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ጠያይት ይትኮስ ብምህላዉን ኣባላት ጸጥታ ዝተጋነነ ሓይሊ ይጥቀሙ ምህላዎምን ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ከሲሱ።

ብመሰረት እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ጥራይ 178 ሰልፈኛታት ከምዝቖሰሉ መብዛሕትኦም ድማ ኮነ ኢልካ ብጠያይት ብዒላማ ዝተወግኡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ሰለፈኛታት ተወጊኦም ጥራይ ዘይኮነ ኣስታት 100 ካብኣቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስ ተገብረሎም ብፖሊስ ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ማሕበር ሓካይም ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን ብወገኖም ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ብዝተኻየደ ግጭት 58 ኣባላት ፖሊስ መጉዳእቲ ከምዝወረዶም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ኣንጻር ብጀነራላት ዝዕብለል ልፍንታዊ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝለዓለ ተራ ይጻወታ ምህላወን ተገሊጹ።

በዚ መሰረት ሰልፈኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ንምድሃል ኣብ ልዕሊአን ጸወታዊ ዓመጽን ጸወታዊ ጎንጽን ይካየድ ከምዘሎን ዛጊት 13 ደቂ-ኣንድትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተኻየደ ዓመጽ መርመራ ክካየድ ክጽውዕ እንከሎ፡ ኣብ ከተማታት ካርቱምን ኡንድሩማንን ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን ኣብ ዘካየደኦ ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ‘ዓመጽ ድምጽና ካብ ምስማዕ ደው ኣየብለናን እዩ’፡ ‘ደቂ-ኣንስትዮ ሱዳን ብርቱዓት ኢና’ ክብላ ብዝሓየለ ድምጸን ኣስሚዐን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብወን ሓያሎ ምዕራባውያን ኣብ ዘውጸአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተገብረ ዓመጽ፣ ደቂ-ኣንስትዮ ድምጸን ከየስመዓ ንምዕጋት ከም መሳርሒ ተጠቒሞም’ ብምባል ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ጸዊዐን።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ዘሻቐሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ክእለ ይደናደን ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ፈለምኡ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ሰልፈኛታት ብዘቕረብዎ ጠለብ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንሱ ወኪል ሰልፈኛታትን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ብምዃኑ ጎኒ ሰልፈኛታት ክስለፍ እዩ ትጽቢት ብዙሓት ኔሩ።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጀነራላት ዘውርድዎን፣ ናብ ስልጣን ዝመልስዎን ኮይኑ ተረፉ ዝብሉ ሰልፈኛታት ዓብደላ ሓምዶክ ዝተባህሎ ዝደግም ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ዘካይዶ ስምምዓት ከምዘይድግፉ ይገልጹ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0