ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓዘን ሞት ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ

Radio Erena: 28 December 2021

 

ህቡብ ተቓላሳይ ሰብኣዊ መሰላትን ፈላሊኻ ግዛእ(ኣፓርታይድ) ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ መበል 90 ዕድሜኡ ብሕማም መንሽሮ ብሰንበት 26 ታሕሳስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽብሪ ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን መዓልታት ክእውጅ እንከሎ ካብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድማ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይውሕዝ ኣሎ።

ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ካህን ክኸውን ብምምራጽ፡ እግሪ እግሩ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ጸዓዱን ጸለምትን ፈላልዮም ዝገዝኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣፓርታይድ፤ ማዕርነት ደቂ ሰባት ክሕልዉ ዝተቓለሰ እዩ።

ንሱ፡ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ዘይጎነጻዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ኣብ ቃልሲ ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን መላእ ዓለም ዓቢ ተፈላጥነት ዘጥረየ ሊቀ-ጳጳስ ክኸውን በቒዑ እዩ።

መራሕቲ ኣፓርታይድ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቅትለት፡ ግፍዕን ስቅያትን ፈጺሞም ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸለምቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ከይህልዎም ኮነ ኢሎም ሰሪሖምሉ እዮም።

ኣብ 1994 ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ኣፓርታይድ ተገላጊላ ብጸሊም መራሒ ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ክትምራሕ ምስ ጀመረት ጸለምቲ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሕነ ከይፈድዩ ስግኣት ኔሩ።

እንተኾነ ናይ ሽዑ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ፡ ንዝተጎድኡ ዝድብስ ንዝበደሉ ድማ ይቕረ ዝብል ‘ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን’ ኣቝሙ።

ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ድማ ዋና ጸሓፊ ‘ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን’ ኮይኑ ብምስራሕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ናብ ሕነ ምፍዳይ ናብ ዕርቂ ከተምርሕ ካብ ዝሰርሑ ሰባት ኮይኑ።

ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ፡ ‘ይቕረ ምብህሃል መጻኢ የውሕስ’ ዝብል እምነት ዝነበሮን ኣብ ዝርርብን ምርድዳእን ዝኣምን ካህን ከምዝነበረ ይግለጽ።

 

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0