ግብጽን ፈረንሳ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ’የን

ግብጽን ፈረንሳ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 26 March 2019

ግብጽን ፈረንሳን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ ምዃነን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብዝሑ ዘይተሓበረ ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ምስ መራኽቡ፣ ፈረንሳ ናብ እትቆጻጸሮ ክሊ ማይ ተበግሲኡ ከምዘሎ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ስልትን ስትራቴጂን ዝህሉ ስልጠና፣ ምስ ዘመናዊ ኣጽዋርን መሳርሒታት ባሕርን ናይ ምልላይ መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ግብጽን ፈረንሳን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይዳ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ ግብጺ፣ ካብ ፈረንሳ መራኽብ ኵናትን ነፈርቲ ውግእን ዝርከብአን ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ኣጽዋር ከምዝሸመተት ይጥቐስ።

ፈረንሳ ብዘይካ ምስ ግብጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ሓይሊ ባሕሪ ንምቛምን ኣጽዋራት ንምሻጥን መደብ ተሓንጺጹ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዛ ሃገር፣ ብደረጃ ዓለም፣ ብብዝሒ ኣጽዋር ካብ ዝሸጣ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና፣ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምብራቕን ርሑቕ ኤስያን ናይ 10ታት ቢልዮን ዕዳጋ ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0