የመን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዝተጠቕዑ ተገሊጹ

የመን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዝተጠቕዑ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 March 2019

ኣብ የመን፣ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 110 ሽሕ ሰባት ብሕማም ውጽኣት ከምዝተጠቕዑ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዛጊት ልዕሊ 190 ሰባት፣ ብሰንኪ እቲ ሕማም ሞይቶም ከምዘለው ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይተጌሩ፣ ግድድዳያት ሞት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቝ።

ኣብ የመን፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ መድሃኒታት፣ መግብን ናይ ጽሬት ነገራትን እናወሓደ ብምምጽኡ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ንዝተፈላለየ ሕማማት ይቓልዑ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0