ቱኒዝያ፣ ብዘይኣላዪ ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ቆልዑ ግዳያት ጭንቀት ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ

ቱኒዝያ፣ ብዘይኣላዪ ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ቆልዑ ግዳያት ጭንቀት ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 March 2019

ኣብ ቱኒዝያ፣ መዓስከር መደኒን ዝርከቡ፣ ብዘይኣልዩ ዝተሰዱ 10ታት ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ግዳያት ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ይኾኑ ከምዘለዉ፣ ተሓቢሩ።

ኣልጀዚራ፣ ንሓያሎ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ብምዝርራብ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሓደ ካብኣቶም ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓልን ፈተነ ርእሰ ቅትልተ ከካይዱ እንከለዉ፣ ካልኦት’ውን ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ናብ ሊብያ ክምለሱ ዝሓለኑ ከምዝርከብዎም ገሊጹ።

መብዛሕቶም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ብሱዳን ሊብያን ሰጊሮም ናብ ቱኒዝያ ዝኣተዉ’ዮም።

ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር መዓስከር፣ እኹል ኣገልግሎታትን መሳለጥያን ከምዘይብሉ’ዮም እቶም ኤርትራውያን ዘማርሩ።

ኣብ ርእሲኡ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምጥያስ መስርሕ ዝኾነ ኣንፈት ስለዘይብሉ፣ ብተስፋ ምቑራጽን ጭንቀትን ይሳቐዩ ከምዘለው፣ በብወገኖም ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣመልኪቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ካብ ኤርትራ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ሶርያን ዝመጹ ልዕሊ 1300 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቱኒዝያ ኣለዉ።

ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝርአ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ብመጠኑ ጎዲሉ እኳ እንተሎ፣ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን፣ ሶማል፣ ቻድ፣ ናይጀርያንን ካልኦት ሃገራትን ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያ፣ ግብጺን፣ ቱኒዝያን ዝካየድ ዋሕዚ ግና ከምዘይጎደለ’ዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቕስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0