ግብጽን ፈረንሳን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ

Radio Erena: 03 February 2021

ግብጽን ፈረንሳን፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ።

እዚ ብሓይሊ ኣየር ተዓብሊሉ፣ ኣብ ምምእራር ውትሃደራዊ ሓበሬታን መጥቃዕቲ ፍሉይ ዒላማታትን ብምትካር ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ግብጺ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት እተካየዶ ዘላ ወትሃደራዊ ልምምዳት’ዩ።

ካብ ፈረንሳ፣ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት፣ ነፈርቲ ውግእን ካልእን ኣጽዋርን ዝሸመተት ግብጺ፣ እዚ ምስ ፈረንሳ እተካይዶ ዘላ ሓባራዊ ልምምድ ኣካል ናይቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝኸተምኦ ውዕላት’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፈረንሳ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክድስክል ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

ፈረንሳ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪን ምዕባል ሓይሊ ኣየርን ዘተኮረ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዘካየዳ ይዝከር።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0