ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 157 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ሰጕጓ

Radio Erena: 03 February 2021

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 157 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከምዝሰጎጎት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ገሊጹ።

እቶም ልዕሊ 120,825 ኣብ 2019 ዝተሰጎጉ ክኾኑ እንከለዉ፣ 36,632 ድማ ኣብ 2020 ናብ ዓዶም ዝተመልሱ’ዮም።

ምስጓግ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2020 ብ70 ሚእታዊት ዝጎደለሉ ምኽንያት፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ምንቅስቓሳት ደው ስለዝበለ’ዩ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ኣስታት100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናይ ምስጓግ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0