ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 30 ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተቐቲሎም

Radio Erena: 03 February 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ጸጸኒሑ ዝውላዕ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ዓፈርን ተወላዶ ሶማሊ ዒሳን ብዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ብውሕዱ 30 ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 40 ድማ ከምዝቖሰሉን ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ግጭት፣ ፈደራላዊ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንፖሊስ ክልል ዓፈር ብምድጋፍ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፈ’ዩ ተሓቢሩ።

በቲ ኣብ 23 ጥሪ፣ ኣዳይቱ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ዶብ ክልላት ሶማልን ዓፈርን እትርከብ ቁሸት ዝተኻየደ ደማዊ ግጭት፣ ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ልዕሊ 70 ከምዝኾነ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ 2 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝራዊ መግለጺ ግና ነቲ ብዝሒ ናብ 30 ኣውሪድዎ ኣሎ።

ብዝሒ ግዳያት ናይቶም ብሚሊሻ ናይ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ከምዝተደገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ሶማል ዒሳ ኣይተጠቕሰን።

እቲ ኣብ መንጎ ብሄር ዓፈርን ተወላዶ ሶማል ዒሳን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ነቲ ንኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጂቡቲ ዘራኽብ መስመር ኣብ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ‘ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝካየድ ዘሎ ግጭታት ክሓብኦ ይፍትን ከምዘሎ’ዩ ዝንቀፍ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0