ግብጽን ሱዳንን ወትሃደራዊ ምሕዝነተን ንምድልዳል ተወሳኺ ርክባት የካይዳ

ግብጽን ሱዳንን ወትሃደራዊ ምሕዝነተን ንምድልዳል ተወሳኺ ርክባት የካይዳ

Radio Erena: 12 December 2018

minister of sudan

ግብጽን ሱዳንን ዝምስርትኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምሕዝነት ንምድልዳሉ ዝዓለመ ርክባት ኣካይደን።

ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል፣ ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዓውፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣታትን ብሓባር ናይ ምክምካቱ መደባትን ዘትዮም።

ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር’ውን ኣብ ካርቱም ተመሳሳሊ ርክብ ምክያዱ ይዝከር።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ናብ ግብጺ ዘምርሐ፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ኤክስፖ ንምስታፍ ኮይኑ፣ ጎኑ ጎኑ ድማ ምስ ሓያሎ ወትሃደራውያን መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኸፍተ፣ ወትሃደራዊ ኤክስፖ፣ ካብ 41 ሃገራት ዝመጻ፣ 373 ኩባንያታት፣ ወትሃደራዊ ፍርያተን ንምርኢት ኣቕሪበን። 

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0