ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምኽታሙ፣ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጸዊዖም

ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምኽታሙ፣ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጸዊዖም

Radio Erena: 10 December 2018

Somalia President

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዓት ምክያዱ፣ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ እማመ ብሰንበት 9 ታሕሳስ ኣቕሪቦም።

ማዕከናት ዜና ሶማል ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም 92 ኣባላት ባይቶ፣ ኣብ ዘቕረብዎ እማመ፣ እቲ ፕረዚድነት ንሃገራዊ ባይቶ ከይተወከሰን ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ከይሃበን ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከተሞ ስምምዓት፣ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ’ዩ ብዝብል’ዮም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዑ ዘለዉ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ቅዋም ካብ ዝፈቕደሉ ስልጣን ንላዕሊ ተመጢጡ፣ ንሕግታትን ስርዓትን ፈደራሊዝም ሶማል’ውን ትሒሱ ኣሎ ክብል እቲ በቶም ኣባላት ባይቶ ዝቐረበ እማመ ብተወሳኺ ይወቕስ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል፣ ብዛዕባ’ዚ ብኣባላት ባይቶ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እንተኾነ፣ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ እማመ ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝተረከበ ኣፈኛ ፓርላማ ሶማል መሓመድ ሙርሳል፣ ዓብዲራሒም፣ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ፓርላማ እታ ሃገር ከልዕሎ ትጽቢት ኣሎ።

ፓርላማ ሶማል፣ 275 ኣባላት ዘለዎ ኮይኑ፣ ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክኣልዩ ዓብላሊ ድምጺ ክርከብ ኣለዎ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርዝራቱ ንህዝቢ ብጽኑር ዘይተገልጸ፣ “ስሉሳዊ ስምምዕ ሰላም” ዝተሰምየ ርክባት ምክያዱ ዝዝከር’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0