ኤርትራ፣ ሑጻ ዘመላለሳ ናይ ጽዕነት መካይን ተኣጊደን ምህላወን ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ ሑጻ ዘመላለሳ ናይ ጽዕነት መካይን ተኣጊደን ምህላወን ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 December 2018

Sand transporting cars

ኣብ ኤርትራ፣ ሑጻ ዘመላልሳ ናይ ጽዕነት መካይን ተኣጊደን ከምዘለዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሑጻ ጽዒነን ክንቀሳቐሳ ዝተታሕዛ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ኣብ ከባቢ ሓዲ ሃሎ ተኣኪበን ከምዘለዋ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ናይ ውልቂ መንበሪ ኣባይቲ ምትዕርራይ ከምዝከኣል ተፈቒዱ እኳ እንተሎ፣ ሑጻ ዘመላልሳ መካይን ምእጋደን ግና ዕንቕፋት ክፈጥር ከምዝኽእል የመልክቱ።

ኣስታት ክሳብ 3 ሽሕ ናቕፋ ዝነበረ፣ ዋጋ ሓንቲ መኪና ሑጻ፣ ብሰንኪ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ናብ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቕፋ ከይዓርግ ይስጋእ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ሰሜንቶን ካልእ ናይ ህንጻ መሳርሒታትን ዕዳጋታት ኣረጋጊኡ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ህዝቢ ኣባይቱ ንምትዕርራይ ክጓየ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ዝተፈላለየ መሰናኽላት እናፈጠረ፣ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ከይህነጽ ይዕንቕፎ ኣሎ።

ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሑጻ ዘመላልሳ መካይን ዝተኣገዳሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ልዕሊ ማይ ዘመላልሳ ቦጣት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ንወነንተን 10ታት ኣሽሓት ብምኽፋል ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ጌሩ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0