ግብጺ፣ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምዳት ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 09 November 2020

ግብጺ ካብ መፋቕር ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ተካይድ ኣላ።

ብ”ራዳ 2020″ ኣብ ዝሰመየቶ፣ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይልታት ኣየርን ምድርን ዝቐነየት ግብጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክሳብ 11 ሕዳር ዝቕጽል ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘተኮረ ካልእ ልምምድ ምስ ብሪጣንያ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ፣ ሄሊኮፕተራት ክትስከም እትኽእል እትርከበን ጭፍራ መራኽብ ግብጺ ይሳተፋ ኣለዋ።

ግብጺን ብሪጣንያን ነዚ ልምምድ ዘካይዳ ዘለዋ፣ ድሕሪ’ቲ ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ብሪጣንያ ጄምስ ሄፐይ፣ ካብ 2 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ካይሮ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ምስ ዝርከቦም ሓያሎ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ወትሃደራዊ ጉዳያት ተመያይጡ።

ግብጺ፣ ምስ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ሓባራዊ ወትህደራዊ ልምምድ ንምክያድ መደብ ከምዘለዋ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0