ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚዱ ዘሎ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ጸጥታን ወሰንቲ ሚኒስተራትን ኣካይዱ

Radio Erena: 08 November 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ጀነራል ኣደም መሓመድ ኣልዩ፣ ምክትሉ ብዝጸንሐ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፣ ክትከኦ እንከሎ፣ ተረፊቱ ንዝጸንሐ ጀነራል ኣበባው ታደሰ፣ ናብ ስራሕ ክምለስ ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን ሸይምዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዘይካ’ዚ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ናብ ደረጃ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳያይ ጸጥታ ኣውሪዱ፣ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላይ፣ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ተኪእዎ ኣሎ።

ምሉእ ኣድህቦኡ ናብ ኵናት ትግራይ ጌሩ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ፣ ቤት ጽሕፈቱ፣ ሎሚ 8 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ሰበ ስልጣን ናይ ምቅይያር መግለጺ፣ ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ንዝነበረ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያ ከምዝገበሮ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኣኼባ ኣጋጣሚታት ከምዘግሃዶን’ዩ ዝዝረበሉ።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ተደጋጋሚ እዋን ምቅይያራት ሰበ ስልጣን ክገብር እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ናይ ሲቪል ይኹን ወትሃደራዊ ስልጣን መንግስቲ ንዝጸንሑ ተጋሩ ብምእላይ የካይዶ ብምህላዉ፣ ብዙሕ ትንታነታት ይወሃበሉ።

ብፍላይ ወሰንቲ ስልጣናት ናይቲ መንግስቲ፣ ብተወልዶ ኣምሓራ ይምላእ ብምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዘይዕጋበት ከምዝፈጠረ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ርእይቲታት ይእንፍት።

ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ተወላዶ ትግራይ ብምዃኖም ጥራይ ሓያሎ ነጋዶን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበረን ማእሰርትን ግፍዕታትን ይበጽሖም ከምዘሎ ይዝረብ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ፣ ብሄር ዘነጻጸረ መጥቃዕታት፣ ንኤርትራውያን’ውን የስግኦም ከምዘሎ ስክፍትኦም ይገልጹ’ዮም።

ከቢድ ጸጥታዊ ሃጓፍ ዝጸንሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ምሉእ ኵናት ምእዋጁ፣ እታ ሃገር ናብ ምብትታንን ምሉእ ዕንወት ጸጥታን ከይተምርሕ ስግኣት ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞያ፣ ምዕራብ ወለጋ ዝንቀሳቐስ፣ ንናጽነት ኦሮሞ ዝጠልብ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ነቲ ኣብ ሰሜን ተኸሲቱ ዘሎ ኵናት ብምምዝማዝ፣ ምንቅስቓሳቱ ሓይሉ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ክልላት ዓፈርን ሶማሊን ብዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ወገን 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተረጋጉጹ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ዚ ሕጂ፣ ኣብ ትግራይ ተጎሃሂሩ ዘሎ ተወሳኺ ግጭት፣ ሚልዮናት ካብ መነባብርኦም ክመዛበሉ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0