ግብጺ፣ ኣብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ዞባ ከተቕውም’ያ

ግብጺ፣ ኣብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ዞባ ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 13 December 2018

djiboutiግብጺ ኣብ ጅቡቲ ሎጂስቲካዊ ዞባ ከተቕውም ምዃና ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ኢጅፕት ቱደይ ፣ ንኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ግብጺ መሓመድ ዞህር ሕርሲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ጅቡቲ፣ ንግብጺ ሓደ ሚልዮን ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ መሬታ ፈቐዲትላ ከምዘላ ኣረጋጊጻ።

እቲ ግብጺ ኣብ ጅቡቲ እትውንኖ ዞባ፣ ንሎጂስቲካዊ መዓላ ከገልግል ምዃኑ እቲ ኣምባሳደር እኳ እንተጠቐሰ፣ ንሲቪላዊ ድዩ ወይስ ወትሃደራዊ ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ጅቡቲ፣ ንግብጺ ኣብ መሬታ ሓደ ዞባ ከተቕውም ምፍቓዳ፣ ነታ ብጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ኣብ ወሓዚ ናይል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ጸቕጢ ክፈጥረላ ከምዝኽእል ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ግብጺ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ።

ኣብቲ ክሳብ 14 ታሕሳስ ኣብ ግብጺ ከምዝካየድ ተገሊጹ ዘሎ፣ ቀዳማይ ዙርያ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ወትሃደራት ግብጺ፣ ሱዳን፣ ናይጀርያን ቡርኪናፋሶን ክሳተፉ’ዮም።

እቲ ሓብራዊ ልምምድ ምስ ካልኦት ሃገራት’ውን ክቕጽል’ዩ ዝበለ ኣፈኛ ሰራዊት ግብጺ ታመል ኣል ረፋዒ፣ ዕላማ እቲ ልምምድ ሽበራ ንምቁጽጻር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0