ሱዳንን ቤላሩስን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን

ሱዳንን ቤላሩስን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 13 December 2018

 sudan and belarusሱዳንን ቤላሩስን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክተሓጋገዛ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ካብ ሚንስክ ሓቢረን።

ኣብ ቤላሩስ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሺር ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ዕደና፣ ሕርሻን ምትእትታው ሜካኒካዊ ቴክኖሎጂን ብዝቐልጠፈ ናብ ትግባረ ዝሰጋገረሉ መንገዲ ተመያይጦም።

ሱዳንን ቤላሩስን በጺሐንኦ ዘለዋ ስምምዓት፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ግብራዊ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ቤላሩስ ንሱዳናዊ መዘንኡ ኣረጋጊጽሉ።

ክልቲኤን ሃገራት ብዘይካ ኣብ ሲቪላዊ መዓላታት ዘገልግል ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት፣ ስምምዕ መሸጣ ወትሃደራዊ ኣጽዋር’ውን ከቲመን ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ፕርዚደንት ሱዳን፣ ኣቐዲሙ ናብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ክልተ እዋን ምብጻሕ’ውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ምኽታሙ ኣይርሳዕን።

ሱዳን፣ ብሓገዝ ሩስያ መደበር ኑክሌሳዊ ጸዓት ንምትካል መደብ ከምዘለዋ’ያ ትገጽል።

ብቁጠባዊ ቅልውላው እትሕመስ ዘላ ሱዳን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ጸዓት፣ ዕደናን ሕርሻን ስምምዓት፣ ነቲ ብሰንኪ እገዳ ንኣስታት 20 ዓመታት ተዳኺሙ ዝጸንሐ ሓይሊ ኣየራን ካልእ ወትሃደራዊ ክንፍታታን ንምዕባዩ፣ ምስዘን ሃገራት ድልዱል ዝምድና ትምስርት ከምዘላ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የረድኡ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0