ግብጺ፣ ኣብ ኩነታት ሱዳንን ሊብያን ዝዝቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣአንጊዳ

Radio Erena: 24 April 2019

ኣብ ሱዳንን ሊብያን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልክተ፣ ብመንግስቲ ግብጺ ዝተጸውዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተኻይዱ።

እቲ ትማሊ ሰሉስ 23 ሚያዝያ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ተኸሲቱ ንዘሎ ዘይምርግጋእን ንምህዳእዙ ክውሰዱ ዝግብኦም ተበግሶታትን ዝገምገመ’ዩ።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘሎ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ሽግራት ኣፍሪቃ፣ ብኣፍሪቃውያን ንምፍታሕ ካብ ዝብል መትከል፣ እቲ ዋዕላ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ግብጺ፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ቻድ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኮንጎ ብራዛቪልን ተሳቲፎም።

ኣብ ሱዳንን ሊብያን ተራእዩ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝምልከት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክጋባእ እዚ ናይ ግብጺ ናይ ፈለማ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ጎደናታት ተኣኪቡ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ነናብ ገዝኡ እንተዘይተበቲኑ፣ ስጉቲ ክወስድ ምዃኑ የጠንቕቕ ኣሎ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ብዝተወደበን ስልጡንን ኣገባብ፣ ወትሃድራዊ ባይቶ ሒዝዎ ዝርከብ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0