“ግብጺ፣ ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ ዲጋ ከተዕንዎ ትኽእል’ያ።” ፕረዚደንት ትራምፕ

Radio Erena: 21 October 2020

ግብጺ፣ ኢትዮጵያ ንእትሃንጾ ዘላ ዲጋ ከተዕንዎ ከምእትኽእል፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ንምምስራት ዝምድና እስራኤልን ሱዳንን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እዩ ነዚ ገሊጹ ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቃሉ፣ ምህናጽ እቲ ዲጋ ንግብጺ ሓደገኛ ስለዝኾነ ከተዕንዎ ከምዘለዋ ምግላጹ፣ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ይዘንቦ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ርክብ፣ ‘’ቅድሚ ሕጂ ኢለ’የ፣ ሕጂ’ውን ብንጹር ይብል ኣለኹ፣ ግብጺ ነዚ ዲጋ ከተዕንዎ እዩ ዘለዋ’’ ክብል ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምዝራቡ፣ ካብ ወገን ሱዳን ዝተዋህበ ምላሽ፣ እቲ ምስሕሓብ ብምሕዝነታዊ መንገዲ ምፍትሑ፣ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ኣመሪካ ዝፈተነቶ ጻዕሪ ድሕሪ ምምስጋን፣ ድሌቱ ሰላማዊን ምሕዝነታዊን ዝኾነ ፍታሕ ንምርካብ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ‘ኢትዮጵያ ነቲ ዘቕረብኩዎ እማመ ምንጻጋ ዓቢ ጌጋ እያ ፈጺማ፣ ክሳብ ትቕበሎ ከኣ ሓገዝ ዝበሃል ኣይክትርእን እያ’ ምባሉ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ብወገኑ፣ ምስሕሓብ ዲጋ ተሓድሶ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ክቕጽል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እታ ሃገር ልኡላውነታ ኣብ ምክልኻል ከኣ ማዕረ-ማዕሪኡ ድልውቲ ከምዘላ ይገልጽ።

ነዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሃቦ ቃል፣ ከም ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኲናት ምእዋጅ ዝረኣዩዎ ዲፕሎማስያውያን ሓይልታት፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝያዳ ድፍኢት ክግበረሉ ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0