ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ዘተ ይቕጽላ

ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ዘተ ይቕጽላ

Radio Erena: 29 December 2015

Eg

ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ዝጀመርኦ ዝርርብ፣ ብሰንበት 27 ታሕሳስ’ውን ቀጺሉ።

እዘን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ምምቅራሕ ጸጋታት ወሓዚ ናይል ብዝምልከት ዝጀመርኦ ስሩዕ ርክባት ኣብ 12 ታሕሳስ ክካየድ እኳ እንተነበሮ፣ ኣብ መንግኦን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብሰንበት ተኻይዱ።

ኢትዮጵያ ክትሃንጾ ጀሚራ ዘላ ዲጋ ንግብጺ ሻቕሎት ፈጢሩላ ብምህላዉ፣ ንኣተገባብርኡን ኣብ ግብጺ ከምጽኦ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋን ብዝምልከት ቀጻሊ ዝርርባት የካይዳ ምህላወን ይፍለጥ።

 

እቲ ብ4.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብ 1800 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝህነጽ ዲጋ፣ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ትጽቢት ይንበረሉ።

ኢትዮጵያ ድሮ ንኣንፈት እቲ ወሓዚ ክትቕየሮ ጀሚራ ከምዘላ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ምጥምዛዝ ኣንፈት ወሓዚ ናይል ኣብ ግብጺ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ’ውን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሕርሻን እዘን ሃገራት ብሰንበት ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣነጺሮም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0