ሓሙሽተ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ነቶም ንይፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶምን ዝተክኡ ክልተ ሓለፍቲ ወጊዞም

ሓሙሽተ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ነቶም ንይፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶምን ዝተክኡ ክልተ ሓለፍቲ ወጊዞም

Radio Erena: 28 December 2015

Patriarch

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምትእትታው መንግስቲ ብትሪ ኣብ እቃወመሉ ዘላ እዋን፣ ሓሙሽተ ጳጳሳት እታ ቤተክርስትያን ንምክትል ኣማሓዳርን ዋና ጸሓፍን ዝነበሩ ክልተ ሓለፍቲ ወጊዞም።

tewahdo.org ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ብጳጳሳት ተወጊዞም ዘለዉ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይታ ቤተ ክርስትያ፣- ኣቶ ግርማይ ዘርኣይ ምክትል ኣምሓዳሪ፣ ኣቶ ካሕሳይ ግርማይ ድማ ዋና ጸሓፊ’ዮም።

እዞም ክልተ ሓለፍቲ ነቶም ብተቓውሞ እታ ቤትክርስትያን ካብ መዝነቶም ዝተኣልዩ ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶምን ዝተክኡ’ዮም።

 

እቶም ጳጳሳት ብዘይካ’ዚ፣ ኣማሓደርትን ዋና ጸሓፍን ከም ኣውራ መሳርሒ ክጥቐመሎም ንዝጸንሑ ኣባ ሉቓስ ከኣ መጠንቐቕታ ምሃቡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ሰፊሩ ኣሎ።

እዞም ተወጊዞም ዘለዉ ክልተ ሓለፍትን መጠንቐቕታ ዝተዋህቦም ኣባል ሉቃስን፣ ነታ ቤከርስትያን ክገማምዑዋ ዝጸንሑ’ዮም።

ምምሕዳር ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ካብ ሃገራዊ ድሕነት፣ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብዝምዘዙ ሰባት’ዩ ዝካየድ።

ኣቐዲሙ’ውን እቶም ጳጳሳት፣ ነታ ቤተ ክርስትያን ናብ ዕንወት ካብ ዝመርሑዋ ቀንዲ ዝኾነ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣቶ ይፍታሄ ዲሜጥሮስን ተሓባባሪኡ ቀሺ ሃብቶም ከምዝወገዙ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብኣመሓዳርን ዋና ጸሓፊን ከማኡ ከኣ ተሓባበርቶም ኣቡናትን ኣቢሉ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስትያን ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታው፣- ሓያሎ ውሉደክህነት ሃገሮም ራሕሪሖም ተሰዲዶም፥ ገለ ከሓድቲ ኢኹም ተባሂሎም ካብ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያን ተሰጕጎም፥ ገለ ተኣሲሮም ካልኦት ድማ ዕድመ-ልክዕ ዘገልገልዋ ቤተ ክርስቲያን ቀጽሪ ደምበኣ ከይረግጹ ከምዝተኸልከሉ እቲ ናይ tewahdo.org ጸብጻብ የረድእ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0