ዚምባብዌ፣ ባጤራ ቻይና-ዩዋን ክትጥቐም ምዃና ትገልጽ

ዚምባብዌ፣ ባጤራ ቻይና-ዩዋን ክትጥቐም ምዃና ትገልጽ

Radio Erena: 29 December 2015

Zim dollar

ብሰንኪ ዝቕባበ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዘይብላ ዚምባብዌ፣ ናይ ቻይና ባጤራ ዩዋን ክትጥቐም ምዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ነዚ ውሳኔ ዝበጽሕ ዘሎ፣ እታ ሃገር ካብ ቻይና ዝነበራ 40 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ከምዝተሓድገላ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ፓትሪክ ቺናማሳ ድሕሪ ምሕባሩ’ያ።

እታ ሞሶብ ኣፍሪቃ ምንባራ እትግለጽ ሃገር፣ ብሰንኪ ክትክተሎ ዝጸንሐት ቁጠባዊ ኣካይዳን ዝሰዓባ ተነጽሎን ባጤራኣ ንሓደ ዶላር ኣማሪካ ልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ዚምባብዌ ክሳብ ዝሽረፍ በጺሑ ኔሩ’ዩ።

 

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ነቲ ዝቕባበ ንምቁጽጻር ተደጋጋሚ እዋን ናይ ባጤራ ምቕይያር እኳ እንተካየደ፣ ለውጢ ከምጽእ ግና ኣይከኣለን።

ዝቕባበ እቲ ባጤራ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፣ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ምስ ጸንቐቐ ከኣ፣ ህዝቢ፣ ባጤራ ሃገሩ ሓዲጉ ዶላር ኣመሪካን ራንድ ባጤራ ደቡብ ኣፍሪቃን ክጥቐም ስለዝመረጸ፣ ባጤራ ዚምባብዌ ኣብ 2009 ካብ ብወግዒ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ።

ካብ 2009 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለየ ባጤራታት ወጻኢ ክትጥቐም ዝጸንሐት ዚምባብዌ፣ ምስ ቻይና ሓድሽ ናይ ወፍሪ ስምምዕ ድሕሪ ምክያዳ፣ መንግስቲ ቻይና ዝነባራ ዕዳ ሰሪዙላ ኣሎ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ከኣ ኣምሳያ ናይቲ ዝተሰረዘሉ ዕዳ፣ ባጤራ ዩዋን ናይ ቻይና ክጥቐም ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ዚምባብዌ፣ ቁጠባዊ ፖሊሲታታት ብምስትኽኻልን ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎታት ብምውጻእ ናይ ባዕላ ባጤራ ንምትእትታው ኣብ ክንዲ ትሰርሕ፣ ናይ ቻይና ባጤራ ክትጥቐም ምምራጻ፣ ንመጻኢ’ውን ዝበኣሰ ሳዕቤን ከምጽኣላ ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቕቑ።

ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ሮበትር ሙጋበ፣ ባይታ ዘቢጡ ንዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ንምብርባር ካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ንላዕሊ፣ ናይ 35 ዓመታት ስልጣኑ ንምዕቃብ ዘህልኾ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ጻዕርታት ከምዝዛይድ ይንገር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0