ግብጺ፣ ሰራዊታ ናብ ሶርያ ከምዘይልኣኸት ገሊጻ

Radio Erena: 29 November 2016

Al sisi Syria

ንፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣልኣሳድ ንምድጋፍ፣ 18 ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ናብ ሶርያ ከምዝልኣኸት ክውረየላ ዝቐነየት ግብጺ፣ ሓሶት ምዃኑ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ እቲ ብማዕከናት ዜና ዓረብ ክጋዋሕ ዝቐነየ ግብጺ ናብ ሶርያ ሰራዊታ ኣዋፊራ ዝብል ዜና ሓሶት ምዃኑ እኳ እንተረጋገጸ፣ መንግስቲ ግብጺ ንመንግስቲ ሶርያ ዘለዎ ደገፍ ግና ኣይከሓደን።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ምስ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ዘለዎ ደገፍ ብንጹር ገሊጹ’ዩ።

ግብጺ ኣብ ጎኒ ሩስያ ብምዃን ነቲ ብፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶርያ ከምእትድግፍ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ምስታ ንተቓወምቲ ባሻር ኣልኣሳድ እትድግፍ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣትያ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት ብጉዳይ ሶርያ ድሕሪ ምስሕሓበን፣ ስዑዲ ዓረብ ንግብጺ እትህባ ዝነበረት ናይ ነዳዲን ካልእን ሓገዛት ጠቕሊላ ደው ኣቢላቶ።

እዚ ድማ ነታ፣ ግብጺ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንተቓወምቲ ኦሮሞ እትድግፍ’ያ እናበላት እትኸሳ ኢትዮጵያ ዓቢ ሩፍታ ኮይኑ ምህላዉ ተንተንቲ የረድኡ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዘተኮረ ምንባሩ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዑደት፣ ነቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣትን ዘተኮረ ምንባሩ ብዝርዝር ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ዝምድና ግብጽን ኢትዮጵያን፣ ህሉው ኩነታት ስዑዲ ዓረብን የመንን ክዝቲ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ዓረብ ይጠቕሳ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ ርክብ ፕረዚደንታት ኤርትራን ግብጽን ብዝምልከት ዜና ኣብ ናይ ጽባሕ ትሕዝቶና ብሰፊሑ ክቀርብ’ዩ። 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0