ሃ/ጋ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ብደረጃ ዓለም ድማ መበል 26 ተሰሪዓ

Radio Erena: 29 November 2016

National Team

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንመሳልል ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ትመርሕ ምህላዋ፣ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (ዩ.ሲ.ኣይ.) ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ደረጃ ሃገራትን ዉልቀ ተቐዳደምትን ከም ዝዝርግሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ዝዘርግሖ ናይ ወርሒ ሕዳር ሰሌዳ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ1660 ነጥቢ፡ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ መሪሕነታ ክትዕቅብ ክኢላ ኣላ።

ሞሮኮ ብ1417 ነጥቢ፡ ኣልጀርያ ድማ ብ1306 ነጥቢ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን ይስዕባ።

ካብ ውልቀ ተቐዳደምቲ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክለብ ሻርጃ ዝቀዳደም ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ 466 ነጥቢ ብምውህላል፡ 284 ነጥቢ ንዝሓዘ ኣልጀርያዊ ዓድል ባርባሪን፡ 281 ነጥቢ ንዘለዎ ሞሮካዊ ሶውፊያን ሃዲን ቀዲሙ ኣብ ላዕለዋይ መሳልል ክሓኩር ከሎ፡ ካልእ ኤርትራዊ ኤልያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ብ192 ነጥቢ ምስ ብሉጻት 10 ተሰሪዑ።

ካብ ዓለም ብደረጃ ሃገር ፈረንሳ ብ13007 ነጥቢ ክትመርሕ ከላ፡ ኤርትራ 1823 ነጥቢ ኣዋህሊላ መበል 26 መስርዕ ሒዛ ኣላ። ብብሕቲ ድማ፡ ስሎቫክያዊ ፒተር ሳጋን ብ5359 ነጥቢ ቀዲሙ ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0