ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሓድሽ ኣምባሳደር ፈረንሳን “ምስ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ፡ ፈረንሳ ነብሳ ክኢላ ናጻ ኮይና ከም ቀደማ ብዛዕባ እትጓዓዘሉ መንገዲ ዘትዮም” ዝብል ዜና፣ ብቋንቋ እንግሊዝ ከይዝርጋሕ መምርሒ ተዋሂቡ

Radio Erena: 28 November 2016

Hads Prof

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ዝተረከበሉ እዋን “ምስ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ፡ ፈረንሳ ነብሳ ክኢላ ናጻ ኮይና ከም ቀደማ ብዛዕባ እትጓዓዘሉ መንገዲ ዘትዮም” ዝብል ኣብ ናይ ትግርኛ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ፣ ኤሪ-ቲቪን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ዝቐረበ ዜና፣ ብቋንቋ እንግሊዝ ከይዝርጋሕ መምርሒ ከምዝተዋህበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፣ ብ22 ሕዳር ወረቀት ስራሕ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፣ ሓድሽ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኮይኑ ምስ ዝተመዘዘ ዲፕሎማሰኛ ፍራንስዋ ጎልድብላት፣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ፣ ፈረንሳ ናጻ ኮይና ነብሳ ክኢላ ከም ቀደማ እትጓዓዘሉ መንገዲ ከምዝዘተየ ኣብ ናይ ትግርኛ ማዕከናት ዜና ዝተዘርግሐ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዲፕሎማሰኛታት ክከታተልዎ ዝኽእሉ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝዳሎ ጋዜጣ ፕሮፋይልን ዜና ብቋንቋ እንግሊዝ፣ እዚ “ፈረንሳ ናጻ ኮይና ነብሳ ክኢላ ከም ቀደማ እትጓዓዘሉ መንገዲ ዘትዮም” ዝብል ነጥቢ ከምዝእለ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ናይ 23 ሕዳር 2016 ሕታም ጋዜጣ ፕሮፋይል፣ ቁጽሪ 76 ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝቀረበ ዜና፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣምባሳደር ፈረንሳን ብዛዕባ ዝመእ ዘሎ ምርጫ ፈረንሳ ዘትዮም ጥራይ ዝብል’ዩ።

ብዙሕ እዋን ኣብ ናይ ትግርኛ ማዕከናት ዜና’ቲ መንግስቲ ንውሽጣዊ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሎም ዝቐርቡ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ዘናሹን ዘዋርድን ዜናታት፣ ኣብ ናይ ቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብን ከምዘቀርቡ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ጉዳይ’ውን ከምኡ ንውሽጣዊ ፕሮፖግንዳዊ ሃልኪ ደኣ’ምበር፣ ፕረዚደንትን ኢሳይያስን ሓድሽ ኣምባሳደር ፈረንሳ፣ ብዛዕባ ፈረንሳ ናጻ ኮይና ነብሳ ክኢላ ከም ቀደማ እትጓዓዘሉ መንገዲ ክዝትዩ ከምዘይክእሉ እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት የረድኡ።

ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ፈረንሳ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክትግበር ብዘየወላል ካብ ዝድግፋ’ያ።
===============

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0