ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ፈጺሞም

Radio Erena: 11 November 2020

ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ፈጺሞም

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ዦን ኢቭ ለድርያን ዝምራሕ ላዕለዎይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር ብ7ን 8 ሕዳር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ካልኦት ሰበ ስልጣንን፣ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ግብጺን ብዛዕባ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ርክባት ብዝምልከት ድሕሪ ምምይያጡ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ፈረንሳ ሃገራት እስላምን ዝተፈጥረ ጉዳይ ሃይማኖት እስላም ብዝምልከት’ውን ዘትዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ ኣብ ዘሎ ምዕባለታት ተመኻኺሩ።

ግብጺ፣ ንላዕለዋይ ልኡኽ ፈረንሳ ድሕሪ ምፍናው፣ ብሓላፊ ስለያ ብሪጣንያ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ብሪጣንያ’ያ ኣእንጊዳ።

ሓላፊ ናይቲ ብMI6 ዝፍለጥ ስለያ ብሪጣንያ፣ ሪቻርድ ሙር፣ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ሓላፊ ጸጥታ ግብጺ፣ ጀነራል ዓባስ ከማልን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ሽበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣተኵሮም።

ኣቐዲሙ’ውም ብሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ብሪጣንያ፣ ጄምስ ሄፐይ ዝምራሕ ልኡኽ’ውን ኣብ ግብጺ በጺሑ’ዩ።

ግብጽ ብሪጣንያን፣ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ከካይድኦ ዝጸንሓ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሎሚ 11 ሕዳር ክዛዝማ’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0