ጋዝ ጽዒና ካብ ቀጠር ዝተበገሰት መርከብ፣ ኣብ ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ

Radio Erena: 08 November 2016

Tanker

ጋዝ ጽዒና ካብ ቀጠር ዝተበገሰት መርከብ፣ ኣብ ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ።

እታ ዋንነት ስጳኛ ዝኾነት ‘ጋላስያ ስፕሪት’ ዝተባህለት መርከብ፣ ብ25 ጥቅምቲ ካብ ቀጠር ተበጊሳ ኣብ ክሊ ማያት ወሽመጥ ዓደን እናሰገረት እንከላ፣ ተፈንጃሪ ብዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ከምዝተጠቕዐት ማዕከን ዜና ዶሓ ኒውስ ኣረጋጊጹ።

እታ ንእሽቶ ጃልባ፣ ነታ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ ምሉእ ብምሉእ ከተዕንዋ እኳ እንተዘይክኣለት፣ ካብ ጉዕዞኣ ከሰናኽል ዝኽእል ጉድኣት ከምዘውረደትላ ወነንታ ሓቢሮም።

እታ መርከብ ድሕሪ ዝወረዳ ፈኵስ መጥቃዕቲ ኣብ ጅቡቲ ብዝነበረ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ባሕሪ እናተዓጀበት ናብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝተጸግዐት’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቀጠርን ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ኩባንያን፣ እቲ መጥቃዕቲ ብሸፋቱ ባሕሪ ዘይኮነ ብሽበራውያን ዝተፈጸመ’ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ብቀጥታ ንቀጠር ዝጸሉ እኳ እንተዘይኮይነ፣ ካብ ቀጠር ጋዝ ንዝዕድጋ ሃገራት ግና ስግኣት ምዃኑ ክኢላታት ጸጥታ ይግምግሙ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ሑቲ ናይ የመን ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ኣቐዲሙ’ውን ሑቲ ንወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ኣብቲ ክሊ ማይ ከምዘጥቅዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ነታ መርከብ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ንዝወፈራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንምጥቃዕ’ውን ሚሳይል ከምዝወንጨፈ’ዩ ተሓቢሩ።

እታ ዝዓነወት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እናተሳሕበት ኣብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸግዐት’ውን ይፍለጥ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ነታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መርከብ ከምዘጥቅዐ ክእመን እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራኽብ ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ግና ብእኡ ከምዘይተፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0