ኢንተርነት ካፌታት፣ መንነት ወረቀት ክሓታን ምሉኡ ስምን ኣድራሻን ክምዝግባን ድሕሪ ዝቀረበለን ግዴታ፣ ብዝሒ ዓማዊለን ይቕንስ

Radio Erena: 07 November 2016

EriTel

ኢንተርነት ካፈታት፣ መንነት ወረቀት ብምሕታትን ምሉእ ስምን ኣድራሽን ብምምዝጋብን ኣገልግሎት ክህባ ብመንግስቲ ድሕሪ ዝቐረበለን ግዴታ፣ ብዝሒ ዓማዊለን እናጎደለ ይመጽእ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ኢንተርነት ካፌታት እናተዘዋወሩ ብዝኣከብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኢንተርነት ካፌታት ስምን ምሉእ ኣድራሻን እናመዝገባ ኣገልግሎት ክህባ ዝተገደዳሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ስግረዶብን ሓበሬታ ምልውዋጥን ተተሓሒዙ ብኣልማማ ዝካየድ ዘሎ ምእሳር ዜጋታት የተሓሕዝዎ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ብዘይካ’ዚ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምቁጽጻር ሓድሽ ኣገባብ፣ እቲ መንግስቲ፣ ኣባላት ሰራዊት ሒዞም አዝለዉ ሞባይል ቴሌፎናት ከረክቡ ዘመሓላልፎ ዘሎ መጠንቐቕታ ምስቲ ካብን ናብ ሓበሬታ ይመሓላለፍ ኣሎ ዝብል ስግኣት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ካብ ቅልጡፍ ምዕባለ ሓበሬታን ቴክኖሎጂ ተገሊለን ዝርከባ ሃገራት ምዃና ዝፍለጥ’ዩ።

ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ኤሪኦተል ዝከካፈል ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ፣ ክሳብ’ዚ ቀረባ ኣዋርሕ፣ 0.09 ሜጋ ባይት ኣብ ደቂቕ ናይ ምውራድ ዓቕሚ ጥራይ’ዩ ጸኒሕዎ።

ስለዚ ድማ ከም ዩቱብ ዝኣመሰሉ፣ ድምጽን ተንቀሳቓሲ ኣሳእልን ዘለዎ ገጻት ኢንተርነት፣ ኣብ ውሱን ኣብያተ ጽሕፈት እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንተገልገልቲ ኣይሰርሕን’ዩ።

መንግስቲ፣ ነዚ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ድዅማት ዓቕሚ ኢንተርነት ዘለዎ ኣገልግሎት፣ ናብ ክልተ ዕጽፊ ክብ ከምዘሎ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢንተርነት ካፌታት ጽኑዕ ምቁጽጻር የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፣ ብገምጋም 3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ ኣገልግልሎት ኢንተርነት ዕድል ረኺቡ ዘሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0