ኣብ ጁባ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ዝዕዘቡ ዝነበሩ 11 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 November 2016

Juba attack

ኣብ ከተማ ጁባ፣ ኣብ ሓደ ክለብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት፣ ብቀዳም6 ሕዳር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ብዘይካ’ዚ’ውን 16 ሰባት ብከቢድን ፎኵሲን ቆሲሎም ኣለዉ።

መንነቱ ዛጊት ዘይተነጸረ ሓደ ዕጡቕ፣ ናብቲ ክለብ ብምእታው፣ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ልዕሊ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ኣድራጋ ቶኹሲ ከምዝኸፈተ’ዮም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ዝገልጹ።

ናይቲ ኣብ ጁባ፣ ጉረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ብዘይዝኾነ ጉድኣት ከምዝሃደመ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0