ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ዝቐረበ እማመ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ክዝትየሉ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 21 June 2019

ንጉዳይ ሱዳን ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ እማመ ሰላም ብዝምልከት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክዝትየሉ ምዃኑ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዚ ሳልስቲ ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ክልቲኦም ወገናት ተራኺቡ፣ ብዛዕባ’ቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ሰላም ክዝቲ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝቐረበ እማመ፣ ንምልሻ ጃንጃዊድ ዕጥቁ ከውርድ ኣብ ዝብል ነጥቢ ስለዘይተሰማመዐ፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ካብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሰሓበ ይፍለጥ።

እንተኾነ ብሰንኪ’ቲ ወተሃደራዊ ቆንስል፣ ፍርቂ ስልጣን መንግስቲን፣ ማዕረ ወከልቲ ወናብር ኣብ ባይቶን ዝብል ሒዙዎ ዘሎ መርገጺ፣ እቲ ዘተ ሰላም ግብራዊ ከምዘይከውን ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የመልክቱ።

እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምስ ተቓውሞ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ እኳ እንተጸነሐ፣ ወከልቲ ህዝቢ፣ ‘ንኣልበሽር ኣሊና ካልእ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንተክል ድሌት የብልናን’ ብምባል እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ስልጣኑ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብምጥላብ እዩ ናዕብታቱ ገና ዝቕጽል ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0